ኣዲስ ኣበባ፣ 30 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ኣብ ጋዛን ዌስት ባንክን ኮሪደራት ሰብኣዊ ሓገዝ ንምኽፋት ስራሕ ከምዝጀመረ ኣፍሊጡ።
እቲ ኮሪደራት ሰብኣዊ ሓገዝ እንትኽፈት ኲናት እስራኤልን ሃማስን ኣብ ዝካየደሎም ከባታት ወሽመጥ ጋዛን ዌስት ባንክን ዝነብሩ 800 ሺሕ ነበርቲ ህፁፅ ሰብኣዊ ሓገዝ ንኽረኽቡ ዘኽእል ከምዝኾነ ተሓቢሩ።
ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ጋዛ ዝኣትወሉ ኩነታ ንምምችቻው ናፃ ሰብኣዊ ኮሪደራት ንኽጣየሹን ሰራሕተኛታት እቲ ትካል ናውቲ ሓገዝ ብናፀነት ክጓዓዓዙ ፃውዒት ኣቕሪቡ፡፡
ኣብ ሞንጎ ዌስት ባንክን ጋዛን ዝርከቡ ዶባትን ኬላታት ፍተሻን ከምዝተዓፀዉ ብምግላፅ÷ በዚ ድማ ኣድላዪ ሰብኣዊ ሓገዝ ከመሓላልፍ ከምዘይከኣለን ኣመልኪቱ፡፡
ኣብ ኲናት እስራኤል ሃማስ ከጋጥም ዝኽእል ዘስካሕኽሕ ሰብኣዊ ቅልላው ንምፅዋር ኣብ ዝቕፅሉ ኣርባዕተ ሳምንታት ጥራሕ 17 ነጥቢ 3 ሚሊዮን ዶላር ከምዘድሊ ምሕባሩ ሚድል ኢስት ሞኒተር ፀብፂቡ፡፡
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/…
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com