ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ኣብ ኢትዮጵያ ዝገብሮ ዘሎ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፀል ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ዳይሬክቶሬት ጄኔራል ጉዳያት ፕሮቶኮል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣይተ ደመቀ ኣጥናፉ ምስ ተወካሊ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣብ ኢትዮጵያ  ክላውድ ጂብዳር ተዛቲዮም።

ኣይተ ደመቀ፥ እቲ ትካል ኣብ ኢትዮጵያ ብዘጋጥም ሰብ ስራሕን ተፈጥሮኣዊን ፀገማት ሓገዝ ንዘድሊዮም ዜጋታት ብቐዳምነት ሰባኣዊ ሓገዝ ዝገበር ትካል ብምዃኑ አመስጊኖም።

መንግስቲ ናብ ትግራይ ብመሬትን ኣየርን ሰብኣዊ ሓገዝ ንክበፅሕ ዘኽእል ኩነታት ምፍጣሩ ኣብሪሆም።

እቲ ትካል ኣብ ትግራይ ንዝገብሮ ሰብኣዊ ሓገዝ ብሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ቅልጡፍ ኣገልግሎት ከምዝወሃቦ ኣረጋጊፆም።

ክላውድ ጂብዳር ብግደኦም፥ ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ኣብ ኢትዮጵያ ዝገብሮ ዘሎ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፀል ምዝራቦም ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment