ፕሮግራም ልምዓት እዋን ህፃንነት ንምሕጋዝ ዘኽእል ሰነድ ስምምዕነት ተኸቲሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ከንቲባ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣበቤ “ፕሮግራም ልምዓት እዋን ህፃንነት“ ንምሕጋዝ ዘኽእል ሰነድ ስምምዕነት ምስ ዩኒሴፍ ከቲመን።

እተን ከንቲባ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየአን ኣብ ዘመሓላለፍኡ መልእኽቲ፥ “ምስ ተወካሊ ዩኒሴፍ ኣብ ኢትዮጵያ ኣቡበክር ካምፖ(ዶ/ር) ዝኸተምናዮ ስምምዕነት ካብ ዝሃነፅናዮም መውዓሊ ህፃናት ከምኡውን ማእኸላት ፀወታን ተሃድሶን ብተወሳኺ ኣገልግሎት ምምሕያሽ ጥዕና ህፃናት እንገብሮ ዘለና ስራሕ ዝሕግዝ ኢዩ” ኢለን።

ኣዲስ ኣበባ፥ ህፃናት ዓንዲሮም፣ ብኣካልን ኣእምሮን ተሃኒፆም ዝዓብይላ ዝበለፀት ኣፍሪካዊት መዲና ንምግባር ምስራሕና ክንቅፅል ኢና ክብላ እውን ገሊፀን።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment