ፕሮጀክት ጎርጎራ ሕልሚ ታሪኽ ትማሊ፣ ሎሚን ፅባሕን ኢትዮጵያ ደሚሩ ዝሓዘ ኢዩ –    ቀ/ሚኒስትር ኣቢይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሮጀክት ጎርጎራ ሕልሚ ታሪኽ ትማሊ፣ ሎሚን ፅባሕን ኢትዮጵያ ደሚሩ ዝሓዘ ከምዝኾነ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ገሊፆም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ኣካል ፕሮጀክት “መኣዲ ንሃገር” ኣብ ዝኾነ ጎርጎራ ዑደት ገይሮም።

እቲ ፕሮጀክት ድሕሪ ሰለስተ ኣዋርሕ ኣገልግሎት ምሃብ ከምዝጅምር ዝገለፁ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ “ኣብ ጎርጎራ ታሪኽና፣ ዕድላትናን ሕልምናን ኣሎ” ኢሎም።

“ትማሊ ታሪኽና ኢዩ፤ ሎሚ ዕድልናን ፅባሕ ድማ ብሓሳብ ንሪኦ ሕልምና ኢዩ” ዝበሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ፥ ጎርጎራ ሰለስቲኦም ቁልፊ ጉዳያ ኣጣሚሩ ከምዝሓዘ ገሊፆም።

ታሪኽ ጎርጎራ ብውሽጢ ቅብብል ወለዶ ምሕላው ስለዘይተኸኣለ፤ ዘለዎ ግርማን መስሕብን እናሰኣነ ከምዝበረ ተዛሪቦም።

በቲ ፕሮጀክት ኣቢሉ እቲ ታሪኻዊ ቦታ ዳግም ክውለድን ክህደስን ብምግባር ናብ ዝነበሮ ክብሪ ምምላስ ጥራሕ ዘይኮነስ በሊፁ ንኽረአ ከምዝተገበረ ኣብሪሆም፡፡

ኣብ ፕሮጀክት ጎርጎራ ዝተሳለጠ ስራሕ ምድማር ዘርአየ ከምዝኾነ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

“ጎርጎራ ትማሊ፣ ሎሚን ፅባሕን ዘተኣሳሰረ ዘደንቕ ስራሕ ኢዩ” ዝበሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ÷ ኢትዮጵያ ወቂባን ማዕቢላን ትረአየሉ ቦታ ከምዝኾነ ኣገንዚቦም፡፡

እቲ ፕሮጀክት ታሪኻዊ ካብ ምዃኑ ብተወሳኺ ብዝግባእ ፅሬት፣ በዝሒን ቴክኖሎጂን ዘተኣሳሰረ ከምዝኾ እውን ኣመልኪቶም፡፡

ኢትዮጵያውያን ኣብ ጎርጎራ ዑደት ክገብሩን ካልኦት ንኽሪኡዎ ክገብሩን ከምዝግበኦም ኣገንዚቦም።

ጎርጎራ ንወለዶ ዝመሓላለፍ ዘኹርዕ ስራሕ ከምዝኾነ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ሓቢሮም፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment