ፕሮጀክት ከርሰ ምድሪ ማይ ለገዳዲ ክፍሊ ክልተ ኣብ ዝተትሓዘሉ እዋን ንምዝዛም ይስራሕ ኣሎ ተባሂሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ን860 ሺሕ ነበርቲ እታ ከተማ ተጠቀምቲ ፅሩይ መስተ ማይ ዝገብር ፕሮጀክት ከርሰ ምድሪ ማይ ለገዳዲ ክፍሊ ክልተ ኣብ ዝተትሓዘሉ እዋን ንምዝዛም እናተሰርሐ ምዃኑ በዓል መዚ ማይን ፈሳሲን ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ።

ዳይሬክተር ኮሙዩኒኬሽን እቲ በዓል መዚ ወይዘሮ ሰርካለም ጌታቸው ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ከምዝገለፀኦ፥ ቅድሚ ክልተ ዓማውቲ ዝተጀመረን ብ4 ቢሊየን ብር በጀት እናተሃነፀ ዝርከብ ፕሮጀክት ድሕሪ ክልተ ኣዋርሕ ክምረቕ ኢዩ።

እቲ ፕሮጀክት ንነበርቲ ክፍለ ከተማታት ጉለሌን የካን ተረባሕቲ ከምዝገብር ተገሊፁ።

ሙሉ በሙሉ ሲጠናቀቅም የውሃ አገልግሎት ተደራሽነትን በማሳደግ የፈረቃ ውሃ ተደራሽነት ጊዜን እንደሚያሳጥር አመላክተዋል

ሙሉእ ብሙሉእ እንትዛዘም ድማ ተበፃሕነት ኣገልግሎት ማይ ብምዕባይ እዋን ተበፃሕነት ፈረቓ ማይ ከምዘሕጽር እተን ዳይሬክተር ኣብሪሀን።

ብትእግስት ኣብርሃም

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment