ፕሮጀክት ቱሪዝም ደንዲ ኢኮ ወንጪ ብብርኪ ሃገር ዝግለፅ ልምዓት ቱሪዝም ኢዩ – ኣብርሃም በላይ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሮጀክት ቱሪዝም ደንዲ ኢኮ ወንጪ ብብርኪ ሃገር ዝግለፅ ልምዓት ቱሪዝም ኢዩ ክብሉ ሚኒስትር ምክልኻል ሃገር ኣብርሃም በላይ (ዶ/ር) ገሊፆም።

እቶም ሚኒስትር ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ፥ መንግስቲ ዘለዉ ሃፍቲ ንዓውዲ ቱሪዝም ብዝጥዕም መገዲ ንምልማዕ ዝተፈለየ ቆላሕታ ብምሃብ ይሰርሕ ኣል ኢሎም።

ንኣብነት ፕሮጀክት ቱሪዝም ደንዲ ኢኮ ወንጪ ብዙሕ ረብሓ ከምዘለዎ ኣረዲኦም።

እቲ ከባቢ ንስፖርት፣ ምህዳስን ጥዕናን ከምኡውን ንካልኦት ማሕበራዊን ኢኮኖሚያዊን ጉዳያት ተመራፂ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ብመሰረት እዚ ፕሮጀክት ቱሪዝም ደንዲ ኢኮ ወንጪ ብብርኪ ሃገር ዝግለፅ ልምዓት ቱሪዝም ኢዩ ኢሎም ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment