ፕሮጀክት መኣዲ ንሃገር ብመሰረት ዝተትሓዘሉ ትልሚ እናኸደ ከምዝርከብ ቀ/ሚ ኣቢይ ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሮጀክት መኣዲ ንሃገር ብመሰረት ዝተትሓዘሉ ትልሚ እናኸደ ከምዝርከብ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ኣፍሊጦም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ምስ መተሓባበሪ ኮሚቴ መኣዲ ንሃገር ከምዝተዛተዩ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ፌስቡክ ገፆም ገሊፆም።

ነቲ ፕሮጀክት ዝእከብ ገንዘብ ብዝተትሓዘሉ ትልሚ እናተሳለጠ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

ንፕሮጀክት ገመኣዲ ንሃገር ዝተሓሰበ ብር 3 ቢሊየን ምዕዋት ከምዝከኣል ካብ ፀብፃብ እቲ መተሓባበሪ ኮሚቴ ክርድኡ ከምዝኸኣሉ እውን ገሊፆም ኢዮም።

ለሀገራዊ ፕሮጀክቶቹ ገንዘብ ላዋጡ ባለሀብቶች፣ ሠራተኞችና ተቋማትም ምስጋናቸውን አቅርበዋል፡፡

ነቲ ሃገራዊ ፕሮጀክት ዝኸውን ገንዘብ ሓገዝ ንዝገበሩ ሰብ ሃፍቲ፣ ሰራሕተኛታትን ትካላትን ምስጋና ኣቕሪቦም።

ስራሕቲ ምትእኽኻብ ገንዘብ ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙን ንምዝዛምን ድሕሪ ሓደ ወርሒ ድማ መርሃ ግብሪ መኣዲ ንሃገር ንምክያድን ኣንፈት ከምዝተቐመጠ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ገሊፆም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment