ኣዲስ ኣበባ ፣ 14 ሓምለ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሰንኪ ኣብ ክልል ትግራይ ዝነበረ ኲናት ዕንወት ኣጋጢሙዎም ዝነበረ ፕሮጀክትታት መስተ ማይ ከተማታት ሸራሮ፣ ዓዲ ነብርኢድን ዓዲ ዳዕሮን ተፀጊኖም ዳግም ግልጋሎት ምሃብ ከምዝጀመሩ ተገሊፁ።
ዓለምለኸ ኮሚቴ መድሕን (IRC) ንፅገና እቶም ፕሮጀክትታት ማይ ልዕሊ 8 ነጥቢ 4 ሚሊየን ብር ወፃኢ ከምዝተገበረ ተሓቢሩ። ፕሮጀክትታት ፅሩይ መስተ ማይ ከተማታት ሸራሮ፣ ዓዲ ነብሪ ኢድን ዓዲ ዳዕሮን ብዙሕ ሃፍቲ ወፂኡሎም ዝተሃነፁን ንሕብረተሰብ ዝሐሸ ግልጋሎት ዝህቡ ዝነበሩ ትካላት ከምዝኾኑ እውን ተገሊፁ።
ይኹን ‘ምበር ኣብቲ ክልል ብሰንኪ ዘጋጠመ ኲናት ዕንወት ብምግጣሙ ሙሉእ ብሙሉእ ካብ ግልጋሎት ወፃእ ኮይኖም ፀኒሖም ኢዮም ተባሂሉ።
ሓላፊ ቢሮ ልምዓት ሃፍቲ ማይን ኢነርጅን ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ሞገስ ገ/ሄር፥ እቲ ትካል ንዝፈፀሞ ሰናይ ተግባር ብምንኣድ እቶም ፕሮጀክትታት ብኣግባቡ ኣብ ረብሓ ክውዕሉ ይግባእ ኢሎም።
ኣተሓባባሪ ትካል ዓለምለኸ ኮሚቴ መድሕን ኣይተ ደገፍ ጥላሁን ብግደኦም፥ ዓለምለኸ ኮሚቴ መድሕን (IRC) ኣብ ፅገና እቶም ፕሮጀክትታት ማይ ዝገበሮ ተሳትፎ መቐፀልታ እቲ ኣብ ስራሕቲ ጥዕና፣ ትምህርትን ኸለላ ድሕንነት ህፃናትን ክገብሮ ዝፀንሐ ተሳትፎ ምዃኑ ገሊፆም።
ኣብቶም ዓውዲታት ዝገብሮ ሓገዝ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅለሉ እውን ምርግጋፆም ኣብ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።