ፕሮጀክታት መፈልፈሊ ሓይሊ ፃሓይ ቤልቱን ሚኖን ተመሪቖም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 27 ጉንበት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ኦሮሚያ ክልል ዞባ ምብራቕ ሃረርጌ ወረዳ ቁምቢ ከተማ ሚኖን ኣብ ዞባ ቦሌ ወረዳ ሂዳን ዝተሃነፁ ፕሮጀክታት መፈልፈሊ ሓይሊ ፃሓይ ሚኖን ቤልቱን ተመሪቖም።

እቶም ፕሮጀክታት ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ፣ ሚኒስትር ማይ፣ መስኖን ኢነርጂን ዶክተር ኢንጂነር ስለሽ በቀለን ነበርቲ እቲ ከባቢን ኣብ ዝተረኸቡሉ ኢዮም ተመሪቖም።

ፕሮጀክት መፈልፈሊ ሓይሊ ፀሓይ ቤልቱ ብብር 7 ሚሊየን ዝተሃነፀ እንትኸውን፥ 750 ኪሎ ዋት ሓይሊ ናይ ምፍልፋል ዓቕሚ ኣለዎ ተባሂሉ፡፡

ፕሮጀክት መፈልፈሊ ሓይሊ ፀሓይ ሚኖ ድማ 225 ኪሎ ዋት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ከምዘፍልፍልን ኣብቲ ከባቢ ዝርከባ ትካላት ጥዕናን ኣቢያተ ትምህርቲን ሓዊሱ ንልዕሊ 9 ሺሕ ነበርቲ ተረባሕቲ ዝገብር ከምዝኾነን ኢቢሲ ፀብፂቡ።

እቲ ፕሮጀክት፥ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ዘይረኸቡ ነበርቲ ከተማ ሚኖ ብዙሕ ለውጢታት ከምዘምፀአሎም ተገሊፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5…

ይግበሩ/ራ!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment