ፕሮጀክታት መስኖ ሉኣላዊነት ምግቢ ንምርግጋፅ ከምዝሕግዙ ተሓቢሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ክልላት ስራሕቲ ልምዓት ተዘዋዊሮም ተመልኪቶም፡፡

ሚኒስትር ቱሪዝም ሰላማዊት ካሳ ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ክልል ሲዳማ ኣብ ወረዳ ዙሪያ ሃዋሳ ዝተሃነፀ ስራሕቲ ምንቅስቓስ ፕሮጀክት ልምዓት መስኖ ጋሎ ኣርጌሳ ተዓዚበን።

እተን ሚኒስትር ኣብቲ እዋን ዑደት ፕሮጀክታት መስኖ ሉኣላዊነት ምግቢ ንምርግጋፅ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ከምዝሕግዙ ተዛሪበን፡፡

መንግስቲ እቲ ክልል መሰረተ ልምዓታት ንምህናፅን ንምምሕዳርን እናገበሮ ዝርከብ ፃዕሪ ተጠናኺሩ ክቕፅል ከምዘለዎ እውን ኣገንዚበን።

ብተመሳሳሊ ብሚኒስትር ባህሊን ስፖርትን ሸዊት ሻንካ ዝተመርሐ ጉጅለ ሓለፍቲ ስራሕ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባታት ዞባ ጋሞ እናተካየዶ ዝፀንሐ ስራሕቲ ክትትልን ሓገዝን ዛዚሙ።

ወ/ሮ ሸዊት ሻንካ ከምዝበለኦ÷ ልምዓት ኮሪደር ከተማ ኣብ ካልኦት ከተማታት ካብ ምስፋሕ ሓሊፉ ንልምዓት ኮሪደር ገፀር ግቡእ ትኹረት ሂብካ ምውጋን ይግባእ፡፡

Comments (0)
Add Comment