ፕሬዝዳንት ሳህለወርቅ ሓዊሱ ኣርባዕተ ኢትዮጵያውያን ኣብ ዝርዝር ፅዕንቶ ፈጠርቲ 100 ኣፍሪካውያን ደቂ ኣንስትዮ ተኻቲተን

ኣዲስ ኣበባ ፣ 27 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዝዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ሓዊሱ ኣርባዕተ ኢትዮጵያውያን ኣብ ዝርዝር ፅዕንቶ ፈጠርቲ 100 ኣፍሪካውያን ደቂ ኣንስትዮ ተኻቲተን።

ኣብቲ ዝርዝር ፕሬዝዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ሓዊሱ ሚኒስትር ደቂ ኣንስትዮ፣ ህፃናትን መናእሰይን ፊልሰን ኣብዱላሂ፣ ዋና ፈፃሚት ስራሕ ኢትዮ ቴሌኮም ፍሬህይወት ታምሩን ዋና ፈፃሚት ስራሕ ሶል ሬብልስ ቤተ ልሄም ጥላሁን ተኻቲተን።

ዝርዝሩ ዘውፀአ ኣቫንስ ሚዲያ (100women.avancemedia.org ) ዝተብሃለ ትካል እንትኸውን፥ በቢ ዓመቱ ዕዉታትን ውፅኢታዊን ዝኾና 100 ኣፍሪካውያን ደቂ ኣንስትዮ ሽም ዝርዝር ብምውፃእ ይፍለጥ።

ኣብቲ ዝርዝር ንምእታው ኣፈፃፅማ ክእለት ኣመራርሓ፣ ብውልቀ ዘመዝገበኦ ዓወት፣ ፍልጠት ምክፋልን ዘይምችዉ ኣሰራርሓታት ምቕያርን ዝብሉ ዝርዝራት ከምዝርከቡዎም ካብ መርበብ ሓበሬታ ዝቲ ትካል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment