ፕሬዚዳንት ፑቲን ኣብ መንጎ ሩሲያን ኣፍሪካን ዘሎ ርክብ ናብ ዝሓሸ ንምሽግጋር ቃል ኣትዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሓምለ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ሩሲያ ቭላድሚር ፑቲን ኣብ መንጎ ሩሲያን ኣፍሪካን ዘሎ ርክብ ንግዲ፣ ኢኮኖሚን ሰብኣዊን ናብ ዝሓሸ ንምሽግጋር ቃል ኣትዮም።

ካልኣይ ዙር ጉባኤ መራሕቲ ሩሲያን ኣፍሪካን ኣብ ከተማ ቅዱስ ፒተርስበርግ ይሳለጥ ኣሎ።

ኣብቲ ጉባኤ ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴራኢ ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)ን ካልኦት ብዙሓት መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪካን ተረኺቦም።

ፕሬዚዳንት ፑቲን ኣብቲ መድረኽ ኣብ ዝገበርዎ መደረ፥ ልውውጥንግዲ ሩሲያን ኣፍሪካን 18 ቢሊየን ዶላር ከምዝበፅሐ ገሊፆም።

ኣብ 2023 ኣብ መንጎ ሩሲያን ኣፍሪካን ዘሎ ንግዲ ፍሪያታት ግብርና 60 ሚኢታዊ ከምዝዓበየ ብምሕባር፥ ኣብ ቀፃሊ ኣብ ሓበራዊ ርግብ ንግዲ ብልዑል ኩነታት ክለማዕብሎ ንኽእል ኢና ኢሎም።

ሩሲያ ኣብ 2023 10 ሚሊየን ቶን እኽሊ ናብ ኣፍሪካ ከምዝለኣኸት ተዛሪቦም።

ኣብ ዝቕፅሉ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ንሃገራት ቡርኪናፋሶ፣ ዚምባቡዌ፣ ሶማሊያ፣ ኤርትራን ካልኦት ሃገራትን ካብ 25ሺሕ ክሳብ 50 ሺሕ ቶን እኽሊ ብናፃ ንምቕራብ ድልውቲ ከምዝኾነት ኣረጋጊፆም።

ኣብ ከባቢ ስዊዝ ካናል ገብፂ ዘሎ ኢንዳስትሪ ዞን ሩሲያ ኣብ ቀረባ እዋናት ስራሕ ከምዝጅምር ብምግላፅ፥ ፈሪያቱ ናብ ሃገራት ኣፍሪካ ምልኣኽ ከምዝጅምር እውን ተዛሪቦም።

መሰረተ ልምዓት ፋይናንስ ኣፍሪካ ንምምዕባልን ስርዓት ክፍሊት ምስ ሩሲያ ንምርኻበን ድልውቲ ኢያ ኢሎም።

ብወንደሰን ኣረጋኸኝ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

Comments (0)
Add Comment