ፕሬዚዳንት ፑቲን ቀንዲ ዕላማ ወተሃደራዊ ወፍሪ ሩሲያ ንዶንባስ ካብ ገበን ዘርኢ ምፅናት ምድሓን ኢዩ ኢሎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ሩሲያ ቭላድሚር ፑቲን ቀንዲ ዕላማ ወተሃደራዊ ወፍሪ ሩሲያ ንዶንባስ ካብ ገበን ዘርኢ ምፅናት ምድሓን ኢዩ ክብሉ ተዛሪቦም።

እቶም ፕሬዚዳንት  ኣብ ስታዲየም ሉዚን ብምርካብ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ እቲ ወፍሪ ግዝኣታት ዶንባስ ዝኾና ዶኔስክን ሉጋነስክን ዝፍፀም ገበን ዘርኢ ምፅናት ንምድሓን ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ነበርቲ እተን ግዝኣታት ብፕሬዚዳንት ዩክሬን ቭሎዶሚር ዘነልስኪ ደብዳብ፣ ኣብ ዘርኢ ዘተኮሩ ክልከላታት፣ መጥቃዕቲ ኣየርን ካልኦት ተግባራት እንትፍፀምዎም ከምዝፀንሑ  ተዛሪቦም።

ስለዝኾነ ነቲ ጉዳይ ኣፈፃሚ ዝኾነ ወተሃደራዊ ሓይሊ ዩክሬን ይድምሰስ ከምዘሎ ሓቢሮም ክብል ስፑትኒክ ኒውስ ፀብፂቡ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

Comments (0)
Add Comment