ፕሬዚዳንት ፑቲንን ፕሬዚዳንት ዘለንስኪን ፊት ንፊት ዘተ ንምግባር ኣብ ስምምዕነት ከምዝተበፅሐ ሞስኮ ገሊፃ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሩሲያን ዩክሬንን ኣብ ኢስታንቡል ብዘካየደኦ ድርድር ሰላም ፕሬዚዳንት ፑቲንን ፕሬዚዳንት ዘለንስኪን ፊት ንፊት ዘተ ንምግባር ኩነታት ከምዝተመዓራረዩ ሞስኮ ኣፍሊጣ።

ድርድር ሰላም ሩሲያን ዩክሬንን ፕሬዚደንት ረጅብ ጣይብ ኤርዶሃን ኣብ ዝተረኸቡሉ ኣብ ቱርኪ ኢስታምቡል ሎሚ መዓልቲ ተኻይዱ።

እቲ ድርድር ሰላም ዘጀመሩዎ ፕሬዚዳንት ኤርዶሃን ኣብ ዘስምዑዎ መደረ፥ ኣብ ስምምዕነት ሰላም ሰዓራይ እምበር ተሰዓራይ ኣይህሉን ኢሎም፡፡

ኣብ ሞንጎ ክልቲኦም ወገናት ዝተፈጠረ ዘሕዝን ኲናት መዕለቢ ንኽረክብን ኩሎም ወገናት ናብ ሰላም ንኽመፅኡን እውን ኣገንዚቦም፡፡

ኢስታምቡል ኣብ ዝርከብ ቤተ መንግስቲ ዶልማባቼ ዝተኻየደ ልዝብ ሰላም፥ ኲናት ሩሲያ ዩክሬን ሙሉእ ብሙሉእ ጠጠው ንምባል ዝዓለመ ከምዝኾነ ተሓቢሩ፡፡

ከም ፀብጻብ ኣር ቲ እንተኾይኑ፥ ብሚኒስትራት ጉዳያት ወፃኢ ክልቲአን ሃገራት ቅደመ ልዝብ ምስተገበረ ቮሎዶሚር ዘነልስኪን ቭላድሚር ፑቲንን ፊት ንፊት ንኽዛተዩ ሩስያ ፈቓደኛ ከምዝኾነት ተደራዳሪ ሞስኮ ቭላድሚር ሜደንስኪ ተዛሪቦም ኢዮም፡፡

ቅድም ክብል ፕሬዚዳንት ሩስያው ቭላድሚር ፑቲንን ናይ ዩክሬን መዘነኦም ቮሎዲሚር ዘለንስኪን ዘተ ፊት ንፊት ክዳሎ ዝኽእል ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ሰምምዕነት ምስተገበረ ከምዝኾነ ሞስኮ ኣፍሊጣ ነይራ።

ቭላድሚር ሜዲንስኪ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ቱርኪ ዝተኻየ ድርድር ወሳኒ ከምዝኾነ ዝገለፁ እንትኾኑ፥ ጉጅለ ልኡኹ ከዕውቶም ኣብ ዝደለዮም ጉዳያት ጭቡጣት ሓሳባት ከምዝረኸቡ ሓሮም።

ሜደንስኪ ዝሃቡዎ መግለፂ ስዒቡ ኣብ ጥቓ ርእሰ ከተማ ኬቭ ዝካየድ ምንቅስቓስ ሓዊሱ ኣብ ሓደሓደ ከባቢታት ዩክሬን ዘሎ ወታደራዊ ወፍሪ ኣዚዩ እናነከየ ከምዝኾነ ኣር ቲ ፀብፂቡ።

እንግሊዝ፣ ቻይና፣ አሜሪካ፣ ቱርክ፣ ፈረንሳይ፣ ካናዳ፣ ኢጣሊያ፣ ፖላንድን እስራኤልን ንድሕንነት ኬቭ ዋሕስ ዝኾና ሃገራት ከምዝኾና እውን ተደራዳሪ ኣክራሚያ ዘርዚሮም፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment