ኣዲስ ኣበባ ፣ 5 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ሩሲያ ቨላድሚር ፑቲንን ፕሬዚዳንት ቱርኪ ሬሲፕ ታይፕ ኤርዶኻንን ኣብ ክልተኣዊን እዋናዊ ኩነታት ዩክሬንን ስልክ ተዛቲዮም።
እቶም መራሕቲ ኢኮኖሚያዊ ምትሕብባርን ልውውጥ ንግዲን ክልቲአን ሃገራት ንምድንፋዕ፣ ማዕቐፋት ኮንትራት ሕጊ ንምምሕያሽ ከምኡ እውን ባናይ ውሽጢ ሃገር ሸርፊ ምትዕድዳግ ኣብ ዝከኣለሎም መገዲታት ትኹረት ገይሮም ተመያይጦም።
ካብዚ ሓሊፉ ድማ ሩሲያ ቀረብ ሓይሊ እንተየቋፀት ምቕራብ ኣብ ትኽእለሉ ኩነታት ምዝታዮም ሺንዋ ንክሬምሊን ብምፅራሕ ፀብፂቡ።
ኣብ ጉዳይ ክልተኣዊ ምትሕብባር ቐራሪቦም ንምስራሕ ከምዝተስማዕምዑ እውን ተገሊፁ።
ምስ ዩክሬን ተተሓሒዙ ድማ ድሕንነት መስመር ፀሊም ባሕሪ ኢሉ እውን ፍርያታት ጥራጥረን እኽሊን ናብ ዓለም ለኸ ዕዳጋ ምብፃሕ ኣብ ዝከኣለሉ ኩነታት ዝህልዎም ምትሕብባር ከምዝዘተዩ እቲ ፀብፃብ ኣመልኪቱ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com