ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ኮይነ ንምግልጋል ብምስያመይ ክብሪ ይስመዐኒ – ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀስላሴ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ሓምሻይ ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ኮይነ ንኸገልግል ብምስያመይ ክብሪ ይስመዐኒ ክብሉ ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀስላሴ ገሊፆም።

እቶም ፕሬዚዳንት ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ፤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢን ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽንን ነዛ ዓባይን ተፈታዊትን ሃገር ንኸገልግል ስለዝተመረፅኩ ከመሰግን ይፈቱ ኢሎም።

ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀስላሴ ትማሊ ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት መኽፈቲ ስራሕ 6ይ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢን ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽንን 4ይ ዓመት ዘበን ስራሕ ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ብምዃን ከምዝተሰየሙ ይፍለጥ።

ኣምባሳደር ታዬ ፕሬዚዳንት ፌዴሪ ኮይኖም ቅድሚ ብምስያሞም ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ብምዃን እናገልገሉ ፀኒሖም፡፡

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment