ፕሬዚዳንት ፈረንሳይ ኢማኑኤል ማክሮን ንዳይሬክተር ጀነራል ትካል ውድብ ጥዕና ዓለም ከምዝድግፉ ኣፍሊጦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ሚያዝያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ፕሬዚዳንት ፈረንሳይ ኢማኑኤል ማክሮን ንዳይሬክተር ጀነራል ትካል ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ብሙሉእነት ከምዝድግፉ ኣፍሊጦም።

እቶም ፕሬዚዳንት ነዚ ዝበሉ፥ ዶክተር ቴድሮስ ትማሊ ረቡዕ ዝገበርዎ ፃውዒት ስዒቦም ኢዮም።

ስለዝኾነ “ዳይሬክተር ጀነራል ትካል ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ነቲ ትካል ዘለዎም ተኣማንነት ኣረጋጊፆም ኢዮም” ኢሎም።

ብተወሳኺ ኣብ መንጎ ኣሜሪካን ቻይናን ዘሎ ሰሓቦጉቶቶ ግቡእ ከምዘይኮነ ኣተሓሳሲቦም።

ፕሬዚዳንት ኢማኑኤል ማክሮን ኣብ ቀረባ እዋን ክታበት ኮቪድ-19 ኣብ ኣፍሪካ ክፍተን ኣለዎ ብምባል ዝተዛረበ ፈረንሳያዊ ሓኪም ሃገሮም እትኽተሎ ፖሊሲ ኣይውክልን ምባሎም ተገሊፁ።

ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ፥ “ትካል ጥዕና ዓለም ብቐንዱ ብኣሜሪካ ‘ኳ እንተተደጎመ ንቻይና ዝወገነ ትካል’ዩ” ብምባል ነቲ ውድብ ዝህቦ ድጋፍ ደው ከብሎ ይኽእል እየ ምባሎም ይዝከር።

ፍልፍል፦ሮይተርስ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment