ፕሬዚዳንት ጋና ናና ኣኩፎ ኣዶ ንኻልኣይ እዋን መረፃ ተዓዊቶም

ኣዲስ ኣበባ፤ 1 ታሕሳስ፤ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ጋና ናና ኣኩፎ ኣዶ ኣብ ጋና ዝተኻየደ መረፃ ንኻልኣይ ግዘ ከምዝተዓወቱ ኮሚሽን መረፃ እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

እቶም ወዲ 76 ዓመት ፕሬዚዳንት፥ 51 ነጥቢ 6 ሚኢታዊ ድምፂ ብምርካብ ከምዝሰዓሩ ተገሊፁ።

ተናሓናሓዮምን መራሒ ተቓዋሚ ፓርቲ ናሽናል ዴሞክራቲክ ኮንግረስ ጆን መሃማ ድማ 47 ነጥቢ 4 ሚኢታዊ ድምፂ ምርካቦም ሓላፊ ኮሚሽን መረፃ ጋና ጄን ሜንሳ ገሊፆም።

ኣብ መላእ ሃገር 17 ሚሊየን መረፅቲ ከምዝተሳተፉሉ መረፃ ጋና፥ 278 ኣባላት ፓርላማ ብሄራዊ ሓንፀፅቲ ሕጊ ምምራፆም እውን ተገሓቢሩ።

ኣብታ ሃገር ዝተኻየደ ሃገራዊ መረፃ ዝተዓዘቡ ጉጅለታት ኣህጉራዊን ዞባዊ ምዕራብን ኣፍሪካ፥ ብኣካይዳ እቲ መረፃ ከምዝዓገቡ ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ ኣፍሊጦም።

ፍልፍል፡- ሲጂቲኤን

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment