ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሓምለ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ጋና ናና ኣዶ ዳንኩዋ ኣኩፎ ኣዶ ርክብ ኢትዮጵያን ጋናን ብዝበለፀ ንምድንፋዕን ንምጥንኻርን ቆራፅን ድሉውን ከምዝኾኑ ኣረጋጊፆም።
ፍሉይ ልኡኽን በዓል ምሉእ ስልጣንን ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ጋና ብምዃን ዝተሾሙ ኣምባሳደር ተፈሪ ፍቅሬ ደብዳበ ሽመቶም ንፕሬዚዳንት ጋና ናና ኣዶ ዳንኩዋ ኣኩፎ ኣዶ ኣቕሪቦም።
ኣምባሳደር ተፈሪ ኣብቲ እዋን÷ ኢትዮጵያን ጋናን ኣብ ኣፍሪካ ዕዙዝም ነዊሕ እዋን ዘቑፀረን ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ከምዘለወን ብምፅራሕ፤ ታሪኻዊ ርክበን ብዝበለፀ ንምጥንኻር ቆራፅነቶም ገሊፆም።
ኣብ ህንፀት ስርዓት ዴሞክራ፣ ኣብ ሰላምን ድሕንነትን፣ ከምኡ እውን ኣብ ኢንዱስትሪ መዓድንን ፋርማሲዩቲካልስን ልውውጥ ልምዲን ስግግር ፍልጠትን ንምግባር ትኹረት ገይርካ ምስራሕ ኣድላዪ ከምዝኾነ ምግላፆም ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
ፕሬዚዳንት ናና ኣዶ ዳንኩዋ ኣኩፎ ኣዶ ብግደኦም÷ ርክብ ኢትዮጵያን ጋናን ብዝበለፀ ንምዕባይን ንምጥንኻርን ከምኡ እውን እቶም ኣምባሳደር ኣብ ጋን ዝህልዎም ፃንሒት ንምሕጋዝ ቆራፅን ድሉውን ከምዝኾኑ ኣረጋጊፆም።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/…
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com