ፕሬዚዳንት ጊኒ ቢሳው ኡማሮ ሲሶኮ ኢምባሎ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ንምግባር ኣዲስ ኣበባ ኣቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ለካቲት ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ጊኒ ቢሳው ኡማሮ ሲሶኮ ኢምባሎ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ንምግባር ኣዲስ ኣበባ ኣቲዮም።

እቶም ፕሬዚዳንት ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ እንትበፅሑ÷ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ፣ ሚኒስትር ምክልኻል ኣብርሃም በላይን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲን ኣቀባብላ ገይሮምሎም።

ፕሬዚዳንት ኡማሮ ሲሶኮ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝህልዎም ፃንሒት÷ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ክልተኣዊ ጉዳያት ኣመልኪቶም ክዛተዩ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ኣሎ ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment