ፕሬዚዳንት ጆ ባይደን ኣብ እስራኤል ዑደት ክገብሩ ኢዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን ኣብ እስራኤል ወሳኒ ዑደት ከምዝገብሩ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣንቶኒ ብሊንከን ገሊፆም፡፡

ብሊንከን ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር እስራኤል ቤንያሚን ኔታንያሁ ኣብ ቴል ኣቪቭ ሰዓታት ዝወሰደ ልዝብ ኣብ ዝገበሩሉ እዋን ኢዩ ዑደት እቶም ፕሬዚዳንት ዕላዊ ዝገበሩ፡፡

ዑደት እቶም ፕሬዚዳንት÷ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ተዋጋእቲ ሃማስ ልዑል መጥቃዕቲ ንምብፃሕ ኣብ ምድላው ኣብ ትርከበሉ እዋን ከምዝኾነ ተሓቢሩ፡፡

ጆ ባይደን ዝገብሩዎ ዑደት÷ ኣብ ማእኸላይ ምብራቕ ዋና መሓዛ ኣሜሪካ ንዝኾነት እስራኤል ምሕዝነታዊ ድጋፍ ዘርኢ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ባይደን ቁልፊ መሓዛ ኣሜሪካ ናብ ዝኾነት ዮርዳኖስ ብምምራሕ በዓል ኣርባዕተ ወገን ጉባኤ ከምዝገብሩ ተገሊፁ።

ኣብ ኣማን ኣብ ዝህልዎም ፃንሒት ድማ ምስ እስራኤል ሰላም ንምፍጣር ፈላሞት ክልተ መራሕቲ ሃገራት ዓረብ፤ ንጉስ ዮርዳኖስ ኣብዱላህ 2ይን ፕሬዝዳንት ግብፂ ኣብዱልፈታህ ኣል-ሲሲን ከምዝረኽቡ ተመልኪቱ፡፡

ምስ ፕሬዝዳንት ፍልስጤም ማህሙድ ኣባስ ክራኸቡ ኢዮም ምባሉ እውን ፀብፃባት ኣልጀዚራን ፍራንስ 24 ኣመልኪቶም።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment