ፕሬዚዳንት ጂቡቲ ኣብታ ሃገር ኣብ ዝተሰናደአ ዓለም ለኸ ኤግዚቢሽን ፍርያታት ወፃኢ ኢትዮጵያ ተዓዚቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ጂቡቲ ኢስማኤል ኦማር ጊሌህን ቀዳማዊት እመቤት ካድራ መሓሙድን ኣብታ ሃገር ኣብ ዝተሰናደአ ዓለም ለኸ ኤግዚቢሽን ኢትዮጵያ ሒዛቶም ዝቐረበት ፍርያታት ወፃኢ ንግዲ ተዓዚቦም።

ፕሬዚዳንት ኢስማኤል ኦማር ጊሌህን ቀዳማዊት እመቤት ካድራ መሓሙድን ፍርያት ቡን ኢትዮጵያ ሓዊሱ ፍርያታት ወፃኢ ንግዲ ዝተዓዘቡ÷ ኣብ ጂቡቲ እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ መኽፈቲ ስነ-ስርዓት ሳልሳይ ዓለም ለኸ ኤግዚቢሽን ንግዲ ብምርካብ ኢዩ፡፡

ከም ኣቆፃፀራ ኣውሮፓውያን ካብ 3 ክሳብ 10 ታሕሳስ 2023 ኣብ ዝፀንሕ 3ይ ዓለም ለኸ ኤግዚቢሽን ንግዲ ብምስታፍ÷ ኢትዮጵያ ፍርያታት ወፃኢን ኣማራፂታት ኢንቨስትመንትን ንዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ንግዲ ንምፍላጥ ሰፊሕ ምድላው ከምዝገበረት ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ጅቡቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment