ፕሬዚዳንት ጂቡቲ ኢስማኤል ዑመርጊሌህ ንዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ምልእኽቲ እንኳዕ ኣሕጎሰኩም ኣመሓላሊፎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 መስከረም፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ጂቡቲ ኢስማኤል ዑመርጊሌህ ኣብዚ ፍሉይ ዝኾነ መዓልቲ ብምርካበይ ክብሪ ይስመዐኒ ኢሎም።

“ስለዝኾነ ድማ ንሓወይ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድን መላእ ህዝቢ ኢትዮጵያን እንኳ ደስ በለኩም ክብል ይደሊ” ኢሎም።

ኢትዮጵያ ንሕብረት ኣፍሪካ ዘበርከተቶን ዘለዋ ሓገዝን ክብሪን እውን ንኢዶም፡፡

ኢትዮጵያ መስራቲት ምንቅስቓስ ፓን ኣፍሪካን መቐመጢት ሕብረት ኣፍሪካን ኢያ ኢሎም።

ኢትዮጵያ ኣብ ታሪኻ ብዙሓት ፀገማት የጋጥሙዋ እምበር ዝገጥማ ፈተና ኩሉ ብናይ ባዕላ መገዲ ፈቲሓቶ ኢያ ዝበሉ እቶም ፕሬዚዳንት፥ ሕዚ እውን ጥንክርቲ ሃገር ኮይና ክትቅፅል ኢያ ኢሎም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

Comments (0)
Add Comment