ፕሬዚዳንት ጂቡቲው ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበሮም ዑደት ስራሕ ዛዚሞም ተመሊሶም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 20 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ጂቡቲ እስማኤል ኦማር ጌሌ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበሮም ዑደት ስራሕ ዛዚሞም ተመሊሶም።

እቶም ፕሬዚዳንት ኣብ ኢትዮጵያ ንክልተ መዓልቲ ዝፀንሐ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ምግባሮም ይዝከርል።

ኣብ እዋን ዑደቶም ድማ ምስ ቀዳማይ ሚኒትር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ኣድሂቦም ምይይጥ ምግባሮም ይፍለጥ።

ፕሬዚዳንት እስማኤል ኦማር ጊሌ፥ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ክልተ መዓልታት ዑደት ስራሕ ንመግባር ቅድሚ ክል መዓልቲ ኣዲስ ኣበባ ምእታዎም ይዝከር።

እቶም ፕሬዚዳነት፥ ኣብ ዋና ቤት ዕዮ ኤጀንሲ መረብ ድሕንነት ዑደት ገይሮም።

ድሕሪ እቲ ዑደት ድማ፥ መራሕቲ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ክልቲኣዊን ቀጣናዊን ኩነታት ብምድሃብ ተዛቲዮም።

እቶም መራሕቲ ብቀንዱ ኢትዮጵያን ጂቡቲን ኣብ ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን፣ ሰላምን ድሕንነተን ከምኡወነ ካልኦት ክልቲኣዊ ዛዕባታት ብዝምልከት ዘቲዮም ኢዮም።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment