ፕሬዚዳንት ዘለንስኪ ውሕመ ናይ ሩሲያ ድምፂ ብድምፂ ምስዓር ስልጣን ንኸልዕል ሓቲቶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ዩክሬን ቮሎድሚር ዘለንስኪ ውድብ ሕቡራት መንግስታት (ውሕመ)ናይ ሩሲያ ድምፂ ብድምፂ ምስዓር ስልጣን ንኸልዕል ሓቲቶም፡፡

ኣብ መበል 78 ሓፈሻዊ ጉባኤ ውሕመ እናተሳተፉ ዝርከቡ እቶም ፕሬዚዳንት÷ ሩሲያ ኣብ ሃገሮም ዝፈፀመቶ ተግባር ድምፂ ብድምፂ ናይ ምስዓር ስልጣና ዘኸልክላ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ፖላንድ ንዩክሬን ትገብሮ ሓገዝ ጦር መሳርሒ ጠጠው ከምዘበለት ቀዳማይ ሚኒስትር እታ ሃገር ማቴዎስ ሞራቪኪ ኣፍሊጦም።

ፖላንድ ንዩክሬን ትገብሮ ሓገዝ ብምቁራፅ ኣብ ናይ ባዕላ ሕንነት ትኹረት ከምትገብር ብምሕባር፤ እቲ ውሳነ ሃሮም ኣብ ፍርያታት እኽሊ ዩክሬን ዘንበረቶ እገዳ ዝተልዓለ ዲፕሎማሲያዊ ቅልውላው ዝመፅአ ኢዩ ተባሂሉ።

ፖላንድ ኲናት ሩሲያ ዩክሬን ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ዩክሬናውያን ስደተኛታት ካብ ምቕባል ጀሚሩ ወታደራዊ ሓገዝ እናገበረት ከምዝነበረት ይፍለጥ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment