ፕሬዚዳንት ካፍ ፓትሪስ ሞትሴፔ(ዶ/ር) ኣዲስ ኣበባ ኣቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ፌዴሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪካ(ካፍ) ፓትሪስ ሞትሴፔ(ዶ/ር) ኣዲስ ኣበባ ኣቲዮም።
ፓትሪስ ሞትሴፔ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝካየድ መበል 46 ሓፈሻዊ ጉባኤ ካፍ ንምስታፍ ኢዮም ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣቲዮም።
እቶም ፕሬዚዳንት ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ እንትበፅሑ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ ጌዲዮን ጢሞቲዎስ፣ ሚኒስትር ባህሊን ስፖርትን ሸዊት ሻንካን ካልኦት ልዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስትን ኣቀባብላ ገይረሙሎም።
መበል 46 ሓፈሻዊ ጉባኤ ካፍ ካብ ሎሚ ጀሚሩ ንተኸታተልቲ 3 መዓልታት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝካየድ ኣብ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
Comments (0)
Add Comment