ፕሬዚዳንት ኤርዶሃን ኣብ ዓውዲ ምርምር ጠፈር ኤሎን መስክ ምስ ቱርኪ ንኽሰርሕ ሓቲቶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ሬሲፕ ጣይብ ኤርዶሃን ሃገሮም ኣብ ዓውዲ ምርምር ጠፈር ዝሓዘቶ መርሃ ግብሪ ኤሎን መስክ ንኽሕግዝ ሓቲቶም።

ኤርዶሃን ምስ ኤሎን መስክ ተራኺቦም ዝተዛተዩ÷ ኣብ ኣሜሪካ ኒውዮርክ እናተኻየደ ዝርከብ መበል መበል 78 ሓፈሻዊ ጉባኤ መራሕቲ ውሕመ ጎድና ጎድኒ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ከምዝኾነ ኣውት ሉክ ኢንዲያ ፀብፂቡ፡፡

ሬሲፕ ጣይብ ኤርዶሃን ናይ ሓቢርና ንስራሕ ዕድመ ነቲ ቢሊየነር እንተቕርቡ÷ “ስፔስ ኤክስ” ኣብ ዝበሃል ምርምር ጠፈር ትካሎም ኣቢሉ ሕቶኦም ከመዝምለስ ብምትእምማን ከምዝኾነ ተሓቢሩ፡፡

ኣብ ዓውዲ ሰብ ስራሕ ምስትውዓል (ኣርቴፊሻል ኢንተለጀንስ)ን ግልጋሎት ብሮድ ባንድ ሳተላይት ኢንተርኔትን እውን ቱርኪ ምስ ኤሎን መስክ ብምትሕብባር ንምስራሕ ድሌት ኣለዋ ኢሎም፡፡

ብመዛሕተኦም ኣሜሪካውያን ብፍላይ ኩባኒያ ቴስላ ሞተርስ ብዘፍርየን መኻይን ኤሌክትሪክ ዝፍለጥ ኤሎን መስክ÷ ኣብ ቱርኪ 7ይ ኩባኒያ መፍረዪ መኪና ኤሌክትሪክ ናይ ምኽፋት ድሌት ከምዘለዎ ገሊፁ።

ኤሎን መስክ ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ቴክኖሎጂ ድሮን ምስ ቱርኪ ብምትሕብባር ክሰርሕ ከምዝደሊ ኣብ ክልተኣዊ ዘተኦም ዝተሳተፉ ሚኒስትር ኢንዱስትሪን ቴክኖሎጂን ቱርኪ መህመት ፋቲህ ካሲር ተዛሪቦም፡፡

ኤሎን ሪቭ መስክ÷ ኣብ ስፔስ ኤክስ፣ ቴስላ፣ ኤክስ ኮርፕ፣ ቦሪንግ፣ ኒውራ ሊንክ፣ ኦፕን ኤ ኣይን ካልኦት ብዙሓት ኩባኒያታት መስራቲ፣ ተሓባባሪ መስራቲ፣ ኣቦ መንበር፣ ዋና ፈፃሚ ስራሕ፣ ፕሬዚዳንት ወይ ድማ ሊቅ ፍርያት ብፅሒት ስራሕ ዘለዎ ፈጣሪ ስራሕ በዓል ሃፍቲ ኢዩ፡፡

ኣብዚ ሕዚ እዋን ሓፈሻዊ መጠን ሃፍቱ 226 ቢሊየን ዶላር ኣሜሪካ ከምዝኾነ ይግመት፡፡

Comments (0)
Add Comment