ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ኤምሬትስ ሕቡራት ዓረብ ሼኽ መሓመድ ቢን ዛይድ ኣል ናህያን ሃገሮም ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ክልቲኣዊ ርክብ ክብ ንምባል ፃዕሪ ከምዝገብሩ ኣረጋጊፆም።
ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ኤምሬትስ ሕቡራት ዓረብ ዑመር ሁሴን፥ ደብዳበ ሹመቶም ኣብ ቤተ መንግስቲ ኣብ ዝተሳለጠ ስነስርዓት ነቶም ፕሬዚዳንት ኣረኪቦም።
እቶም ፕሬዚዳንት ናይ እንኳዕ ደሓን መፃእኹም መልእኽቲ መስ ኣመሓላለፉ፥ መንግስቶም ንኣምባሳደር ዑመር ሁሴን ኣድላዪ ደገፍ ከምዝገበር ተዛሪቦም።
ፕሬዚዳንት ሳህለ ወርቅ ዘውዴን ሀዝቢ ኢትዮጵያን ንዘቕረበሎም ሰናይ ትምኒት አመስጊኖም።
ከልቲኣዊ ርክብ ንምጥንኻር ጠንኪርካ ምስራሕ ከምዘድሊ ገሊፆም።