ፕሬዚዳንት ኣንጎላ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበሮም ፃንሒት ዛዚሞም ናብ ሃገሮም ተመሊሶም

ፕሬዚዳንት ኣንጎላ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበሮም ፃንሒት ዛዚሞም ናብ ሃገሮም ተመሊሶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ናይዚ እዋን ኣቦ ወንበር ሕብረት ኣፍሪካ ፕሬዚዳንት ኣንጎላ ጆአዎ ሎሬንሶ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበሮም ፃንሒት ዛዚሞም ናብ ሃገሮም ተመሊሶም፡፡

ፕሬዚዳንት ታዮ ኣፅቀ ስላሰ ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ተረኺቦም ንፕሬዚዳንት ኣንጎላ ከምዝሰነይዎም ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

ፕሬዚዳንት ጆአዎ ሎሬንዞ ኣብ ስነ ስርዓት ርኽክብ ስራሕ ኣቦ ወንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካን ኮሚሽነራትን ተረኺቦም፡፡

እቶም ፕሬዚዳንት ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ክልቲኣዊ ጉዳያት ምዝታዮም ይዝከር፡፡

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment