ፕሬዚዳንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ቻይና ዑደት ስራሕ የሳልጡ ኣለዉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ግንቦት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ኤርትራ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ቻይና ዑደት ስራሕ የሳልጡ ኣለዉ።

እቶም ፕሬዚዳንት ትማሊ ናብ ቤጂንግ ዝኣተዉ እንትኾኑ፥ ኣብ ፃንሒቶም ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ቻይና ሊ ችያንግ ኣብ ክልቲኣዊ ዛዕባታት እተን ሃገራት ከምዝዘተዩ ተገሊፁ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ሊ ችያንግ፥ ኤርትራን ቻይናን ዘለወን ስትራቴጂካዊ ምትሕብባር ብዝበለፀ ምጥንኻር ከምዝግባእ ገሊፆም።

ፕሬዚዳንት ኢሳያስ ብግደኦም፥ ኣፍሪካ ሓዊሱ ዝተፈላላያ ሃገራት ዓለም ፖለቲካዊ ሓገዝ ቻይና ኣዝየን ከምዝብህጋ ተዛሪቦም።

ቻይና ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ዘለዋ ትሕዝቶ ንምጥንኻር ከምኡውን ምስ  ስዊዝ ካናል፣ ወሽመጥ ባሕሪን ሃገራት ሰሜን ኣውሮፓን ዘለዋ ርክብ ንምጥንኻር ኤርትራ ንቻይና ቁልፊ ጂኦፖለቲካል ቦታ ከምዝኾነት ኣብሪሆም።

ብተወሳኺ ኤርትራ ኣብ ጅቡቲ ንዘሎ ሰራዊት ቻይና ጎረቤት ሃገር ምዃና፥ ቻይና ኣብ ዓለም ፍትሓዊ ስርዓት ነምንጋስ ንእትገብሮ መንቅስቓስ ሓጋዚ ኢዩ ምባሎም ሬውተርስ ፀብፂቡ።

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment