ፕሬዚዳንት ኢራን ናብ ኣሜሪካ ከቕንዑ ኢዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ኢራን ማሱድ ፔዜሽኪያን ኣብ መበል 79 ሓፈሻዊ ጉባኤ ውድብ ሕቡራት መንግስታት(ውሕመ) ናብ ኣሜሪካ ከምዘቕንዑ ተገሊፁ።

እቶም ፕሬዚዳንት ኣብቲ ጉባኤ ብምርካብ ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ጠመተ ዝገበረ መደረ ክገብሩ ኢዮም ዝበል ትፅቢት ኣሎ።

ብተወሳኺ ኣብ ኣሜሪካ መስ ዝነብሩ ኢራናዊያን ዝግበር ዘተ ሓዊሱ ብዙሓት ኣኼባታት ከምዝገብሩ ተሓቢሩ።

ብተመሳሳሊ ምስ ላዕለዎት ሰብ መዚ ዝተፈላለያ ሃገራት ክልቲኣዊ ዘተ ክገብሩ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ከምዘሎ ኑር ኒውስ ፀብፂቡ።

Comments (0)
Add Comment