ፕሬዚዳንት ናይጄሪያ  ሙሃሙዱ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝግበር ምጥያሽ መንግስቲ ክርከቡ ኢዮም 

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 መስከረም፣ 2014 ዓ.ም(ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ናይጄሪያ  ሙሃሙዱ ፅባሕ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝግበር ምጥያሽ ሓዱሽ መንግስቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝርከቡ ናይ ናይጄሪያ ጋርዲያን ፀብፃብ ርእይ።

እቶም ፕሬዚዳንት ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝህልዎም ፃንሒት፥ ምእ ዝተፈላለዩ ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ብምርኻብ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዘጠናኽሩ ዛዐባታት ብምድሃብ ክዝቲዩ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ናብ ሓላፍነት እንትመፅኡ ፕሬዚዳንት ቡሃሪ የመግለፂ ሰናይ ትምኒት ምልኣኾም ይዝከር።

ኣብ መልእኽቶም ድማ፥  ናይጄሪያ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ምትሕብባር ኣጠናኺራ ከምእትፅል ገሊፆም ነይሮም።

ኣብ ስነ ስርዓት ምስረታ ሓዱሽ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንምርካብ ኣጋይሽ ዝኣትዉ ዘለዉ እንትኾን፥ ትማሊ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝኣተዉ  ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ናይጄሪያ ጄፍሬይ ኦኒዬማ ካብ መንጎ እቶም ዝመፅኡ ሐደ ኢዮም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment