ፕሬዚዳንት ትራምፕ ካብ ዝቐረቡሎም ክስታት ናፃ ኮይኖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ካብ ስልጣን ንኽለዓሉ ዝቐረቡሎም ክስታት ናፃ ኮይኖም።

እቶም ፕዚዳንት ስልጣኖም ዘይኣግባብ ብምጥቃምን ስራሕቲ እቲ ቤት ምኽሪ ብምትዕንቓፍን ተኸሲሶም ከይዲ እቲ ክሲ እናተርኣየ ፀኒሑ ኢዩ።

ፕዚዳንት ትራምፕ ብግደኦም፥ ዝቐረበሎም ጠቐነ ውድቂ ብምግባር ዝኾነ ይኹን ዓይነት ገበን ኣይፈፀምኩን ብምባል እናተኻትዑ ፀኒሖም ኢዮም።

ክሲ ናይቶም ፕሬዚዳንት ዕልባት ንመሃብ ድማ ብዓብላሊነት ፓርቲ ሪፐብሊካን ዝተትሓዘ ሴኔት ኣሜሪካ ኣብቲ ጉዳይ ኣድሂቡ ድምፂ ሂቡ ኢዩ።

ብመሰረት እዚ ፕዚዳንት ትራምፕ ስልጣኖም ብዘይኣግባብ ብምጥቃም ንዝቐረበሎም ክሲ 52 ን 48 ብዝኾነ ድምፂ ብልጫ እቲ ሴኔት ውድቂ ገይሩዎ ኣሎ።

ንስራሕቲ እቲ ቤት ምኽሪ ብምትዕንቓፍ ንዝቐረበሎም ካልኣይ ክሲ ድማ 53 ን 47 ብዝኾነ ድምፂ ውድቂ ገይሩዎ።

ኣብ ቀፃሊ መረፃ ንኻኣይ ዙር ንምውድዳር እናተዳለዉ ዝርከቡ ዶናልድ ትራምፕ፥ ኣብ ታሪኽ ኣሜሪካ ኣብ ቅድሚ ሴኔት ቀሪቦም ክሶም ንኽከላኸሉ ዝተበየነሎም ሳልሳይ ፕሬዚዳንት እታ ሃገር ኮይኖም ኣለዉ።

ፍልፍል፦ ቢቢሲ

Comments (0)
Add Comment