ኣዲስ ኣበባ፣ 8 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ጉዳይ ስምምዕነት ደው ምባል ተዂሲ ሩሲያን ዩክሬንን ፅባሕ ምስ ፕሬዚዳንት ሩሲያ ቭላድሚር ፑቲን ከምዝዛተዩ ኣፍሊጦም፡፡
ኣብዚ ሰሙን ብዙሓት ስራሕቲ ምስርሖም ብምሕባር÷ ብዛዕባ ደዉ ምባል ተዂሲ ሓደ ወሳኒ ዜና ከምዝህሊ ሓቢሮም፡፡
ፕሬዚዳንት ዶናልድ ትራምፕ እዙይ ዝበሉ ቕድሚ ሰሙን መልእክተኛታት ኣሜሪካን ዩክሬንን ኣብ ስዑድ ዓረብ ተኣኪቦምሲተዂሲ ደው የብል እዩ ዝበልዎ ን30 መዓልቲታት ተዂሲ ደዉ ናይ ምባል ሓሳብ ዙርያ ድሕሪ ምዝታዮም እዩ፡፡
ፅባሕ ክካየድ እዩ ዝተብሃለ ዘተ ስልኪ ክልቲኦም መራሕቲ፥ ኣብ ጉዳያት መሬትን ትካላት መፈልፈሊ ሓይሊ ከምዝኾን ዶናልድ ትራምፕ ንጋዜጠኛታት ተዛሪቦም፡፡
ብዛዕባ ግዝኣት ንዘራረብ ይመስለኒ÷ እቲ ግዝኣት ከምቲትፈልጥዎ ቕድሚ ኲናት ካብ ዝነበረ ብዝተፈለየ መልክዑ ክኾን እዩ፤ ብዛዕባ ትካላት መፈልፈሊ ሓይሊ ክንዝቲ ኢና እዙይ እውን ቐንዲ ጉዳይ እዩ ኢሎም፡፡
ኣብ ሞንጎ ሩሲያን ዩክሬንን ንሰለስተ ዓመታት ዝፀንሐ ኲናት ደዉ ንምባል ልዑል ፃዕሪ እናተኻየደ ኣብ ዘሎ እዋን÷ ሩሲያን ዩክሬንን ትማሊ ኣጋ ምሽት መጥቃዕቲ ድሮን የካይዳ ከምዝነበራ ቢቢሲ ፀብፂቡ፡፡