ፕሬዚዳንት ትራምፕ ንወፃእተኛታት ቪዛ ንከይወሃብ ኣጊዶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ክሳብ መወዳእታ 2020 ንወፃእተኛታት ቪዛን ግሪን ካርድን ንከይወሃብ መምርሒ ኣመሓላሊፎም።

እቲ ዝተውሃበ መምርሒ ተግባራዊ ክኸውን እንከሎ፥ ክኢላታት ቴክኖሎጅን ኢንፎርሜሽን ቴክኖሎጅን፣ ካብ ሕርሻ ወፃእ ኣብ ዘለው ዓውድታት ዝዋፈሩ መዓልታዊ ሰራሕተኛታት፣ ናይ ገዛ ሰራሕተኛታት ከምኡ’ውን ኣካየድቲ ስራሕ ዓበይቲ ኩባኒያታትን ካልኦት ላዕለዎት ኣመራርሓን ቪዛ ንምርካብ ክፅገሙ’ዮም ተባሂሉ።

ካብ ዋይት ሃውስ ዝተውሃበ መግለፂ ከምዝሕብሮ፥ ብምኽንያት ለበዳ ቫይረስኮሮና ኢኮኖሚያዊ ኪሳራ ንዘጋጠሞም ኣሜሪካውያን ዕድል ስራሕ ንምምችቻው እዩ ነዚ ስጉምቲ ክውሰድ መምርሒ ወፂኡ።

ይኹን’ምበር እቶም ፕሬዚዳንት ለበዳ ቫይረስኮሮና ምኽንያት ብምግባር ሕጊ ኢምግሬሽን ክሰጥም እዮም ዝገብሩ ዘሎዉ ብምባል ይንቀፉ ኣለዉ።

ብምኽኒያት እቲ ሓድሽ መምርሒ፥ እንተውሓደ ፍርቂ ሚሊየን ሰባት ክህሰዩ ኢዮም ተባሂሉ።

ካብዚኦም እቶም 170 ሽሕ ቐዋሚ መንበሪ ፍቓድ (ግሪን ካርድ) ክረኽቡ ዝፅበዩ ዝነበሩ’ዮም።

ምምሕዳር ኣሜሪካ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ሕቶ ቐዋሚ መንበሪ ፍቓድ ምቕባል ንግዝኡ ጠጠው ከም ዘበለ ምግላፁ ይዝከር።

እቲ ግዚኣዊ መምርሒ ትማሊ ከብቅዕ ትፅቢት ዝነበረ እኳ እንተኾነ፥ ዳግም ብመሰረት እቲ ሓድሽ መምርሒ ክናዋሕ ክኢሉ ኣሎ።

ፍልፍል፦ቢቢሲ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment