ፕሬዚዳንት ትራምፕ ናብ ዋይት ሃውስ ተመሊሶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ክትትል ሕክምና ቫይረስኮሮና ይገብሩሉ ካብ ዝነበሩ ሆስፒታል ብምውፃእ ናብ ዋይት ሃውስ ከምዝተመለሱ ተገሊፁ።

እቶም ፕሬዚዳንት ኣብ ወተሃደራዊ ሆስፒታል ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ክሕከሙ ዝፀንሐ እንትኾኑ፥ ዝተረፎም ሕክምና ኣብ መንበሪ ቤቶም ዋይት ሃውስ ክቕፅልዎ ኢዮም ተባሂሉ።

“ኣፀቢቑ ሒሺኑ ኣሎ። ንኮቮድ ኣይትፍርሑዎ፤ ህይወትኩም ንክቆፃፀሮ እውን ዕድል ኣይትሃቡዎ” ክብሉ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ትዊተር ገፅ ፅሒፎም።

ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ 7 ነጥቢ 4 ሚልየን ብኮቪድ ክልከፉ እንከለው፥ 210 ሺሕ ሰባት ድማ ህይወቶም ስኢኖም ኢዮም።

ፕሬዚዳንት ትራምፕ ትማሊ ምሸት ካብ ሆስፒታል ቅድሚ ምፍናዎም፥ ንኣመሪካውያን “ኣይትፍርሑ ኣነ ቅድሚ 20 ዓመት ካብ ዝነበርኩዎ ዝሓሸ ጥዕና ይስመዓኒ ኣሎ። ኣብ ዝሓፀረ ግዜ ከኣ ናብ ጎስጓስ መረፃ ክመፅእ እየ” ክብሉ ገሊፆም።

ፕሬዚዳንት ትራምፕ ብኮቪድ ምስተለኽፉ እቲ ወርሒ ጥራሕ ተሪፉዎ ዘሎ ጎስጓስ መረፃ ተዓናቒፉ እንትኸውን፥ ሐዚ ግን ከምዝቕፅል ይዛረብ ኣሎ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment