ፕሬዚዳንት ትራምፕ ናብ ኣሜሪካ ዝግበር ኹሉ ዓይነት ስደት ከምዝእግዱ ኣፍሊጦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሚያዝያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ፕሬዚዳንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብዚ እዋን ለበዳ ሕማም ቫይረስ ኮሮና ናብ ኣሜሪካ ዝግበር ዝኾነ ዓይነት ስደት ከምዝእግዱ ኣፍሊጦም።

እቲ እገዳ ወፃእተኛታት ናብታ ሃገር ኣትዮም ምንባርን ምስራሕን ዝኽልክል ከምዝኾነ እውን ተሓቢሩ።

ምኽንያቱ ድማ ንምክልኻል ለበዳ እቲ ቫይረስን ዕድል ስራሕ ኣመሪካውያን ንምውሓስን ከምዝኾነ እቶም ፕሬዚዳንት ኣብሪሆም።

ስለዝኾነ ንኹሉ ዓይነት ናብታ ሃገር ዝግበር ስደት ክእግድ እየ ኢሎም ኣለዉ።

ይኹን እምበር ፕሬዚዳንት ትራምፕ ብቫይረስኮሮና ኣሳቢቦም ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ስጉምትታት ከወስዱ ስለዝደለዩ እዮም ዝብል ነቐፌታታት ይስማዕ ኣሎ።

ኣሜሪካ ምስ ካናዳን ሜክሲኮን ንዝገበረቶ ስምምምዕ ብዶባት ንዝግበር ኣገዳሲ ዘይኮነ ጉዕዞ ክሳብ መፋርቕ ጉንበት ኣጊዳቶ ከምዘላ ይፍለጥ።

ካብ ኣውሮፓን ቻይናን ንዝግበሩ ጉዕዞታት እውን ገዲባቶም እያ።

ፍልፍል፦ቢቢሲ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment