ፕሬዚዳንት ትራምፕ ብቫይረስኮሮና ድሕሪ ምልካፎም ኣብ ውሸጢ 24 ሰዓት ናብ ሆስፒታል ተወሲዶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ብቫይረስኮሮና ድሕሪ ምልካፎም ኣብ ውሸጢ 24 ሰዓታት ናብ ሆስፒታል ተወሲዶም።

ቤት ፅሕፈት መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፥ እቶም ፕሬዚዳንት ብዛይካ ድኻም መንፈሱ ፅቡቕ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

ዶናልድ ትራምፕ፥ ማእኸላይ ምልክታት ቫይረስኮሮና ኣርኢዮም ከምዝነበሩ እቲ ቤት ፅሕፈት ሓቢሩ ነይሩ።

ናይ ቀረባ ኣማኻሪት እቶም ፕሬዚዳንት ዝነበረት ሆፕ ሂክስ ብቫይረስኮሮና ድሕሪ ምልካፋ’ዩ ትራምፕን በዓልቲ ቤቶምን በቲ ቫይረስ ተታሒዞም።

ክሳብ ሐዚ እታ 31 ዝዕድሚኣ ኣማኻሪት ፕሬዚዳንት ጥራሕ ኢያ ካብቶም ናይ ቀረባ ኣማኸርቲ ቫይረስኮሮና ተረኺብዋ ዘሎ።

ሆፕ ሂኪስ ኣብዚ ሰሙን ምስ ፕሬዚዳንት ትራምፕ ናብቲ ፕሬዚዳንታዊ ክትዕ ዝተኻየደሉ ከተማ ኦሃዮ ተጓዒዛ ምንባራ ይዝከር።

ኣብ ዝሓለፈ ረቡዕ ኣብ ከተማ ሚኒሶታ ኣብ ዝተኻየደ ጎስጓስ ፕሬዚዳንታዊ ምርጫ፥ ኣብ ነፋሪት ምስቶም ፕሬዚዳንት ተሰቒላ ነይራ ኢያ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment