ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ስላሴ ዝተፈላለዩ ትካላት መሰረተ ልምዓት ፅሬት ኣብ ዝርከብሉ መንደር ፅሬት ዑደት ኣካይዶም።
ፕሬዚዳንት ታዬ ኣብቲ መንደር ኣብ ዝርከቡ ትካላት ዓውዲ ጥዕና፣ ኮንስትራክሽን፣ ውፅኢት ግብርና፣ ዓውዲ ምግብን መስተን፣ እታዎታት ኢንዱስትሪን ዝተፈላለዩ ዓውዲታትን ኣታዊን ወፃኢን ፍሪያትን ኣገልግሎትን ፅሬት ዘረጋግፁ ናይ ላቦራቶሪ መሳርሒታት ተዘዋዊሮም ተዓዚቦም።
ኣመራርሓታት ሚኒስቴር ንግዲን ቀጣናዊ ዝምድናን፣ ትካላት መሰረተ ልምዓት ፅርየትን ነቶም ፕሬዚዳንት ብዛዕባ እቲ መንደር መብርሂ ሂቦም።
ህንፀት እቲ መንደር 8 ነጥቢ 2 ቢሊየን ብር ወፃኢ ዝተገበረሉን ፅርየት ዘረጋግፁ ህንፀት ዘበናዊ ላቦራቶሪን ኣብያተ ዕዮን ዝሓዘ ከምዝኾነ ኣብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።