ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ታዬ ኣፅቀ ስላሴ ኣብ ፍሉይ ኣኼባ ሕብረት ኣፍሪካ ንምስታፍ ናብ ካምፓላ ኣትዮም።
እቶም ፕሬዚዳንት ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ኢንተቤ እንትበፅሑ ሚኒስትር ምክልኻልን ጉዳይ ሃርበኛታትን ጃኮብ ማርክሰንስ ኦቦት ኣቀባብላ ገይረሙሎም።
ፕሬዚዳንት ታዬ ኣብ ፃንሒቶም፥ ኣብ ኣፍሪካ ዘተኣማምን ግብርናን ሰርዓተ ምግብን ምህናፅ ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ዝሳለጥ ናይ ድህረ ማለቦ ሓፈሻዊ መድረኽ ኣፈፃፅማ ፕሮግራም ልምዓት ግብርና ኣፍሪካ ክሳተፉ ኢዮም።