ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ስላሴ ናብ ቡሩንዲ ኣቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ስላሴ ፅባሕ ኣብ ዝካየድ መበል 23 ጉባኤ መራሕቲ ሓበራዊ ዕዳጋ ሃገራት ምብራቕን ደቡብን ኣፍሪካ (ኮሜሳ) ንምስታፍ ናብ ቡሩንዲ ቡጁምቡራ ኣቲዮም፡፡

እቶም ፕሬዚዳንት ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ መልቾይር እንዳዳዬ እንትበፅሑ÷ ፕሬዚዳንት እታ ሃገር ኢቫሪስቴ ንዳይሽሚዬ ሓዊሱ ካልኦት ላዕለዎት ኣመራርሓ መንግስቲ ድሙቕ ኣቀባብላ ገይሮምሎም፡፡

መበል 23 ጉባኤ መራሕቲ ኮሜሳ÷ ኣብ መበል 19 ጉባኤ ሚኒስትራት ዝተዛተየሉ ኩነታት ሰላምን ፀፅታን እቲ ዞባ መፍትሒ ንምትእልላሽ ኣብ ዝሕግዙ ኣሰራርሓታት ጠሚቱ ብምዝታይ ከምዘፅድቕ ትፅቢት ይግበር፡፡

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment