ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ስላሴ ምስ ፕሬዚዳንት ዩዌሪ ሙሴቬኒ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ስላሴ ምስ ፕሬዚዳንት ዩጋንዳ ዩዌሪ ሙሴቬኒ ኣብ ክልተኣዊ ጉዳያት ጠሚቶም ተዛቲዮም።

ጎድና ጎድኒ ፍሉይ ጉባኤ ኩለመዳይ ፕሮግራም ልምዓት ሕርሻ ኣፍሪካ (ካዳፕ) ኣብ ዝተገበረ ዘተ፤ ሕርሻ ኣብ ምዝማን፣ ሩባ ኣባይ ብሓባር ብፍትሓውነት ምጥቃምን ሕብረት ኣፍሪካ ምጥንኻር ኣብ ዘኽእሉ ጉዳያት ብምድሃብ ተዛቲዮም፡፡

ዕዉት ዘተ ከምዝነበረ ድማ ፕሬዚዳንት ታዬ ኣብ ኤክስ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ ፅሑፍ ገሊፆም፡፡

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment