ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀስላሴ ኣብ ጉባኤ ክሌማዊ ለውጢ ውድብ ሕቡራት መንግስታት (ውሕመ)(ኮፕ 29) ንምስታፍ ንብ ኣዘርባጃን ኣቲዮም።
እቶም ፕሬዚዳንት ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ሃይደር ኣሊየቭ እንትበፅሑ ሚኒስትር ጥዕና ኣዘርባጃን ቴይሙር ሙሴየቭ ሓዊሱ ላዕለዎት ሓለፍቲ ኣቀባብላ ተገይሩሎም፡፡
”ብሓባር ምሓምለወይቲ ምድሪ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ እናተኻደ ኣብ ዝርከብ ጉባኤ ኮፕ29 ኢትዮጵያ ኣብ ዝዓረቐ መሬት ሽፋን ደኒ መሊስካ ንምልማዕ ዝወሰደቶ ቆራፅነትን ዘላቕነት ዘለዎ ኣጠቓቕማ መሬት ተሞክሮኣ ከምተቐወርብ ትፅቢት ይግበር።