ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ፕሬዚዳንት ታዬኣፅቀ ስላሴ ብሕልፈት ህይወት ነበር ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ጂሚ ካርተር ዝተሰመዖም ሓዘን ገሊፆም።
እቶም ፕሬዚዳንት ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ መበል 39 ነበር ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ጋርተር ዓብዪ መራሒ ሃገርን ንብዙሓት ኣርኣያን ነይሮም ኢሎም።
ካርተር ብዛዕባ ሰላም ዓለም ኣብ ዝነበሮም ግንዛበ ክዝከረ ክነብሩ ኢዮም ኢሎም።