ፕሬዚዳንት ቱርኪ ንቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ መግለፂ ሓጎስ ልኢኾም

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ቱርኪ ሬሴፕ ጣይፕ ኤርዶኻን ንቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ መግለፂ ሓጎስ ልኢኾም።

ፕሬዚዳንት ኤርዶሃን ኣብ መግለፂ ሓጎሶም፥ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ቀዳማይ ሚኒስትር ኮይኖም ብምሻሞም ዝተሰመዖም ደስታ ገሊፆም።

ኣብ ቀፃሊ ድማ ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ብምዃን ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ርክብ ንምጥንኻርን ሓበራዊ ተረባሕነት ህዝቢ ንምድንፋዕ ከምዝሰርሑ ኣብ መግለፂኦም ምሕባሮም ካብ ሚኒቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ቅድም ክብል ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ኩለመዳይ ርክብ ናብ ዝለዓለ ብርኪ ንምዕባይ ዘኽእሉ ስምምዓት ከምዝተፈራረሙ ይፍለጥ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment