ኣዲስ ኣበባ ፣ 6 ሰነ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ብራዚል ሉላ ዳ ሲልቫ ኣብ ኢትዮጵያን ዑደት ክገብሩ ኢዮም።
እቲ ዑደት ብቐንዱ ብራዚል ምስ ሃገራት ኣፍሪካ ዘለወን ርክብ ንግዲን ዲፕሎማሲን ንምጥንኻር ዝዓለመ ከምዝኾነ ተገሊፁ።
ኦ ግሎቦ ዝተብሃለ ጋዜጣ ብራዚል ከምዝፀብፀቦ፥ እቶም ፕሬዚዳንት ኣብ ኢትዮጵያ፣ ኣንጎላ፣ ሞዛምቢክ፣ ሴኔጋል፣ ጋና፣ ናይጄሪያ፣ ሳዖቶሜን ፕሪንሲፔንን ዑደት ንምሓዝ ትልሚ ሒዞም ኣለዉ።
እቶም ፕሬዚዳንት ኣብ ክልተ ዙር ኣብ ዝገብርዎ ዑደት ስራሕ፥ ኣብ 23 ሃገራት ኣፍሪካ ዑደት ከምዝገብሩ እውን ተገሊፁ።
ስለዝኾነ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ቀዳማይ ዙር ከምዝጅምሩ ተሓቢሩ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።