ፕሬዚዳንት ባይደን ብሕብረት ኣፍሪካ ዝምራሕ ከይዲ ሰላም ከምዝድግፉ ዝገለፅዎ ሓሳብ ቅዋም መንግስቲ ኢትዮጵያ ኢዩ- ኣምባሳደር ስለሺ በቀለ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 12 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ጆ ባይደን ሃገሮም ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዘጋጠመ ጎንፂ ንምፍታሕ ብሕብረት ኣፍሪካ ዝምራሕ ከይዲ ሰላም ከምዝድግፉ ዝገለፅዎ ሓሳብ ቅዋም መንግስቲ ኢትዮጵያ ኢዩ ክብሉ  ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ኣሜሪካ ስለሺ በቀለ ኣፍሊጦም።

መበል 77 ሓፈሻዊ ጉባኤ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ኒውዮርክ ይካየድ ኣሎ።

ኣብቲ ጉባኤ ፕሬዚዳንት ጆ ባይደን፥ ሃገሮም ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዘጋጠመ ጎንፂ ንምፍታሕ ብሕብረት ኣፍሪካ ዝምራሕ ከይዲ ሰላም ከምዝድግፉ ምግላፆም ኣምባሳደር ስለሺ ኣብ ትዊተር ሒሳቦም ፅሒፎም።

እቶም ኣምባሳደር እቶም ፕሬዚዳንት ኣብቲ ጉባኤ ነቲ ጉዳይ ኣመልኪቶም ዝገለፅዎ ሓሳብ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ኲናት ካብ ዝጅምር ጀሚሩ መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ዝሓዞ ሓሳብ ተመሳሳልነት ዘለዎ ኢዩ ክብሉ ኣገንዚቦም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment