ፕሬዚዳንት ባንኪ ዓለም ኣብ ኢትዮጵያ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ከካይዱ ኢዮም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 22 ሓምለ ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ባንኪ ዓለም ኣጃይ ባንጋ ኣብ ኢትዮጵያ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ከካይዱ ኢዮም።

እቶም ሓዱሽ ፕሬዚዳንት ካብ 31 ሓምለ 2023 ዓ.ም.ፈ ጀሚሮም ንክልተ መዓልታት ዝፀንሕ ዑደት ከምዝገብሩ እቲ ባንኪ ኣፍሊጡ።

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝህልዎም ፃንሒት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ሓዊሱ ምስ ሚኒስትር ገንዘብ ኣይተ ኣሕመድ ሽዴን ኣመሓዳሪ ብሄራዊ ባንኪ ማሞ ምህረቱን ክዛተዩ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ብተወሳኺ ምስ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ  ሙሳ ፋኪ ማሃማት ኣብ መንጎ እቲ ባንኪን ሕብረት ኣፍሪካን ዘሎ መትሕብባር ምጥንኻር ኣብ ዘኽእሉ ዛዕባታት ከምዝዛተዩ ተገሊፁ።

ንደቂ ኣኒስቲዮም መናእሰይን ዕድል ስራሕ ምርካብ ዘኽእሉ ዕድላት ምልላይ ናይቲ ዑደት ቀንዲ ዕላማ ከምዝኾነ እቲ ባንኪ ኣፍሊጡ።

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment