ፕሬዚዳንት ሶማሊያ ንዕላዊ ዑደት ስራሕ ኣስመራ ኣትዮም

አዲስ አበባ ፣ ጥር 18 ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ሶማሊያ ሞሓመድ ኣብዱላሂ ሞሓመድ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ንምግባር ናብ ኣስመራ ኣትዮም።

ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ኣስመራ እንትበፅሑ ድማ ፕሬዚዳንት ኤርትራ ኣይተ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣቀባብላ ገይሮምሎም።

እቶም ፕሬዚዳንት ኣስመራ ኣብ ዝህልዎም ፃንሒት፥ ምስ መራሕቲ ሃገራት ኢትዮጵያን ኤርትራን ከምዝዛተዩ ሚኒስትር ዜና ኤርትራ ኣይተ የማነ ገብረመስቀል ብማሕበራዊ ሚዲያ ትዊተር ገፆም ገሊፆም።

እቶም መራሕቲ፥ ኣብ ዝተፈላለዩ ክልተኣዊን ቐጠናዊን ጉዳያት ኣድሂቦም ክዛተዩ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ንምግባር ትማሊ ናብ ኣስመራ ከምዝኣተዉ ይፍለጥ።

Comments (0)
Add Comment