ፕሬዚዳንት ሴኔጋልን ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪካን ማኪ ሳልን ሓዊሱ ዝተፈላለዩ መራሕቲ ሕብረት ናብ ሃገሮም ተመሊሶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ንክልተ መዓልታት ኣብ መበል 35 ስሩዕ ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ዝመርሑ ፕሬዚዳንት ሴኔጋልን ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪካን ማኪ ሳልን ሓዊሱ ዝተፈላለዩ መራሕቲ ሕብረት ናብ ሃገሮም ተመሊሶም።

ነቶም ፕሬዚዳንት ሚኒስቴር መስኖን ከባቢታት ቆላን ኢንጂነር ኣይሻ መሓመድ፣ መኒስተር ዴኤታ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ብርቱካን ኣያኖን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲን ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ብምርካብ ኣፋኒየምዎም።

ብተወሳኺ ፕሬዚዳንት ሞዛምቢክ ፊሊፕ ኒየሲን ምክትል ፕሬዚዳንት ታንዛኒያ ፊሊፕ ሚያፓንጎን ሎሚ መዓልቲ ናብ ሃገሮም ተጓዒዞም።

ትማሊ ጀሚሩ ናብ ሃገሮም ካብ ዝተመለሱ መራሕቲ ኣባል ሃገራት ሕብረት፥ ፕሬዚዳንት ጂቡቲ ኢስማኤል ኦማር ጌሌ፣ ፕሬዚዳንት ኬንያ ኡሁሩ ኬንያታ፣ ፕሬዚዳንት ዴሞክራቲክ ሪፐብሊክ ፌሊክስ ሲሼኬዲ፣ ፕሬዚዳንት ጋና ናና አኩፎ አዶ፣ ፕሬዚዳንት ኮቲዲቯር አላሳን ኦታራ ተረቋሕቲ ኢዮም።

ብተወሳኺ መራሕቲ ሞሪታኒያ፣ ኮንጎ፣ ኮሞሮስ፣ ቤኒን፣ ኮንጎ ሪፐብሊክ፣ ኒጀር፣ ማዕከላዊ ኣፍሪካ ሪፐብሊክ፣ ሲሸልስ፣ ዛምቢያ፣ ኡጋንዳ፣ ጋቦን፣ ሞዛምቢክ፣ ኬፕ ቨርዴ፣ ታንዛኒያን ፍልስጤምን ናብ ሃገሮም ተመሊሶም።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment